UMMA TOKEN INVESTOR

About me

Aselamu Aleykum, I'm Bilal, a pharmacist and digital journalist from Mekelle, Tigray, Ethiopia

Followers
0
There are no followers
6 month Translate
Translation is not possible.

ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? 2ይ ክፋል

ካልኣይ ክፋል

✔️ቀዳማይ ኢንቲፋዳ 1987-1993

ኢንቲፋዳ ብህዝባዊ ምልዕዓል፣ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ሲቪላዊ ተቓውሞ፣ ብጽቡቕ ዝተወደበ ኣድማታትን ከባብያዊ ሕብረት ስራሕን ዝልለ ህዝባዊ ወያነ እዩ።

ናይ መጀመርታ ፍልስጤማዊ ኢንቲፋዳ ኣብ ታሕሳስ 1987 ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ዝተለዓዓለ ኮይኑ፡ ሓንቲ ናይ እስራኤል ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ክልተ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ብምግጫዋ ኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ድሕሪ ምሟቶም እዩ። መንእሰያት ፍልስጤማውያን ናብ ታንክታት ሰራዊት እስራኤልን ወተሃደራት እስራኤልን እምኒ እናደርበዩ ተቓውሞታት እንተካይዱ  እቲ ዓመጽ ናብ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ) ድማ ብቅልጡፍ እዩ ተዛሚቱ።

ብተወሳኺ ጨንፈር ናይቲ ኣንጻር መግዛእቲ እስራኤል ኣብ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ዝተዋፈረ ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ዝኾነ ምንቅስቓስ ሓማስ ንምምስራት ኣኽኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ መልሲ ዝሃበሉ መንገዲ፡ ብጎስጓስ በቲ ሽዑ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ይሳቅ ራቢን “ኣዕጽምቶም ስበር” ዝብል ፖሊሲ ተቐሚሩ ጅምላዊ ቅትለት፣ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት፣ ምስጓግ ደለይቲ ፍትሕን ምዕናው ኣባይትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

እቲ ኢንቲፋዳ ብቐንዱ ብመንእሰያት ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብመግዛእቲ እስራኤል ከብቅዕን ናጽነት ፍልስጤም ንምምስራትን ቃል ዝኣተወ ጥምረት ፖለቲካዊ ውድባት ፍልስጤም ዝመርሖ ውሁድ ሃገራዊ መሪሕነት ወያነ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እስራኤላዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቢ’ጸለም (B'Tselem)፡ ኣብ እዋን ኢንቲፋዳ 237 ህጻናት ሓዊሱ 1070 ፍልስጤማውያን ብሓይልታት እስራኤል እንትቕተሉ ልዕሊ 175 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

ምንቅስቓስ ኢንቲፋዳ  ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጎንጺ መፍትሒ ከናድን ኣቓልቦ ክህቦን ኣገዲድዎ እዩ።

✔️ ዓመታት ኦስሎን በዓል መዚ ፍልስጤምን

ኢንቲፋዳ ኣብ 1993 ስምምዓት ኦስሎ ብምፍራምን ኣብ ዝተጎበጠ ዌስት ባንክን (ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን) ምድረበዳ ጋዛን ውሱን ዓርሰ ምሕደራ ዝተዋህቦ ግዝያዊ መንግስቲ በዓል መዚ ፍልስጤም (PA) ብምቛምን ተዛዚሙ።

ፒኤልኦ (PLO) ንእስራኤል ብመሰረት ኣብ ክልተ ሃገራት ዝካየድ ፍታሕ ኣፍልጦ ሂቡ፡ እስራኤል ን60 ሚእታዊ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ)፡ ከምኡ እውን ንመብዛሕትኡ ሃፍቲ መሬትን ማይን ናይቲ ግዝኣት ክትቆጻጸር ዝገብራ ስምምዓት ፈሪሙ እዩ።

በዓል መዚ ፍልስጤም (ፒኤ) ንፈለማ እዋን ዝተመርጸ መንግስቲ ፍልስጤም ኣብ ዌስት ባንክን ምድረበዳ ጋዛን ርእሰ ከተማኣ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝገበረት ናጻ ሃገር ብዝኸውን መንገዲ ክካየድ ነይርዎ፡ ነገር ግን እዚ ኸይዲ ክሳብ ሕዚ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ሓደ ሓደ ነቐፍቲ: በዓል መዚ ፍልስጤም (ፒኤ) ከም ሓደ ብልሹው ንኡስ ኮንትራክተር መግዛእቲ እስራኤል ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ምስ ሰራዊት እስራኤል ብቐረባ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘሎ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ንምጭፍላቕ እዩ ዝሰርሕ ይብሉ።

እስራኤል ኣብ 1995 ኣብ ዙርያ ምድረበዳ ጋዛ ኤሌክትሪክ ሓጹርን መንደቕ ኮንክሪትን ብምስራሕ ኣብ መንጎ እተን ዝተመቓቐላ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝነበረ ርክብ ኣቋሪጻ እያ።

✔️ ካልኣይ ኢንቲፋዳ

እቲ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ብ28 መስከረም 2000 ዓ.ም.ፈ ዝጀመረ ኮይኑ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሊኩድ ዝኾነ ኣሪኤል ሻሮን ኣብ ናይ ጥንቲ ከተማ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ቀጽሪ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ዘለዓዕል ዑደት ድሕሪ ምክያድ እዩ እቲ ኢንቲፋዳ ተለዓዒሉ። ብዚ ምኽንያት ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያን ሰልፈኛታትን ሓይልታት እስራኤልን ዝተኻየደ ጎንጺ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሓሙሽተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ 200 ድማ ቆሲሎም እዮም።

እቲ ፍጻመ ሰፊሕ ዕጥቃዊ ናዕቢ ኣበጊሱ እዩ። ኣብዚ እዋን ኢንቲፋዳ እዚ እስራኤል ኣብ ቁጠባን ትሕተ ቅርጽን ፍልስጤም ተራእዩ ዘይፈልጥ ጉድኣት ኣውሪዳ እያ። እስራኤል ብበዓል መዚ ፍልስጤም ዝመሓደሩ ከባቢታት ዳግማይ ተቖጻጺራ ምስቲ ዕሙር ህንጸት ሰፈራታታ፡ መነባብሮን ማሕበረሰባትን ፍልስጤማውያን ዘዕነወ ናይ ምፍልላይ መንደቕ ክትሃንጽ ጀሚራ እያ።

ሰፈራታት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ ኾይኑ እንዳሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ኣማኢት ኣሽሓት ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ኣብ ዝተሰርቐ መሬት ፍልስጤም ናብ ዝተሃንጹ ሓደሽቲ መግዛእትታት ግዒዞም እዮም። ንፍልስጤማውያን ዝኸውን ቦታ እናነከየ ክኸይድ ከሎ ንሰፋሮ ጥራይ ዝኸውን ጽርግያታትን ትሕተ ቅርጽን ነቲ ዝተጎበጠ  ዌስት ባንክ እናቖረጸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ምስፍሕፋሕ ድማ ከተማታት ፍልስጤም ናብ ባንቱስታን ክኣትዋ የገድድ ኣሎ። ባንቱስታን: እቲ ናይ ቀደም ስርዓት ኣፓርታይድ ንጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክኸውን ዝተነጸለ ምድረበዳ እዩ።

ስምምዓት ኦስሎ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ኣብ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ) ልዕሊ 110,000 ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ይነብሩ ነይሮም። ሎሚ እቲ ኣሃዝ ልዕሊ 700 ሽሕ ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ሄክታር (390 ትርብዒት ማይልስ) ካብ ፍልስጤማውያን ዝተመንዝዐ መሬት ይነብሩ።

ሳልሳይ ክፋል ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? ኢንሻኣላህ ክቕጽል እዩ።

ኣሳናዳኢ:-ቢላል ዓብዱልቃድር

image
Send as a message
Share on my page
Share in the group
6 month Translate
Translation is not possible.

ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? 1ይ ክፋል

ቀዳማይ ክፋል

✔️ መእተዊ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ምብራቕ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ እዩ።

እቲ ጎንጺ ከመይ ጀሚሩ ወይ ድማ እቲ ቀንዲ ምኽንያቱ እንታይ እዩ ኢልካ እንትትሓትት: ገሊኦም ካብ እዋን ሮማውያን ይጅምሩ፣ ካልኦት ድማ ካብቲ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስደት ኣይሁድ ናብቲ ሽዑ ግዝኣት ኦቶማን ዝነበረ ፍልስጤም (ካብቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዝነበረ ፖግሮምን ምስጓግን ንምህዳም) ከምኡ እውን ካብ ምልዕዓል ምንቅስቓስ ጽዮናውነት ይጅምሩ። ወይ ድማ እቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ ብ1917 ኣብ ፍልስጤም “ሃገራዊ ገዛ ንህዝቢ ኣይሁድ” ኢሉ ኣይሁዳውያን ንምድጋፍ ዝሃቦ ኣዋጅ ባልፎርን ድሕሪኡ ምስ ማሕበረሰባት ዓረብ ኣብኡ ዝነበረ ጎንጽታትን ከም ቀንዲ ምኽንያት ይጠቕሱ።

ንብዙሓት ግን መበገሲ እቲ ጎንጺ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1947 ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ኣብ ኣውሮፓ ጄኖሳይድ ምፍጻሙ ተኸቲሉ ኣብ ምሕደራ እንግሊዝ ዝነበረት ፍልስጤም መሬታ ኣብ ክልተ ሃገራት ክመቓቐል ማለት እውን ኣብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ዝኾነት ሃገርን ሓንቲ ድማ ዓረባዊት ዝኾነት ሃገርን ክትመቓቐል ኣብ ዝሃቦ ድምጺ ወይ ድማ ውሳነ እዩ ይብሉ።

ፍልስጤማውያን ይኹኑ ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብ ምምስራት እስራኤል ኣይተቐበልዎን እዮም። ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣይሁድ፡ ገሊኦም እንግሊዛውያን ከም ግብረሽበራዊ ውድባት ዝቖጽርዎምን ፍልስጤማውያንን ዝነበረ ውግእ፡ እስራኤል ኣብ ግንቦት 1948 ናጽነታ ምስ ኣወጀት ሰራዊት ግብጺ፣ ዒራቕ፣ ዮርዳኖስን ሶርያን ኣንጻር እስራኤል ኲናት ክሳብ ዝገብሩ እቲ ኩነታት እናገደደ ከይዱ እዩ።

ሓድሽ ሰራዊት እስራኤል ስፍራ እናረኸበ ምስ ከደ፡ ኣብ 1949 ዝተገብረ ስምምዕ ዕርቂ፡ ነታ ንእሽተይ ዝኾነት መንግስቲ ኣይሁድ ካብቲ ብመሰረት ውጥን ምምቕቓል ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበቶ መሬት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝበዝሐ መሬት እቲ ስምምዕ ዕርቂ ሓድሽ ኣብ መሬት ጭቡጥ ዝኾነ ዶባት ክትረክብ ገይርዋ እዩ።

✔️ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እንታይ ኣጋጢምዎም?

ኣስታት 700,000 ፍልስጤማውያን ተባሪሮም ወይ ተፈናቒሎም። ኣስታት 85% ካብ መሬት ህዝቢ ዓረብ ብእስራኤል ተታሒዙ። እቶም ብእስራኤል ዝተባረሩን ዝተፈናቐሉን ናብ መረበቶም ክምለሱ እስራኤል ፈጺማ ኣይፈቐደትሎምን።

ፍልስጤማውያን ነቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝርከብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰቦም ዝበጸሖ ምፍንጫልን ዘርኢ ምጥፋእን: ''ናክባ'' ወይ ድማ “መዓት” ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ድማ ኣብ ዘመናዊ ታሪኾም ዝተኸሰተ ዘሕዝንን ዘጉህን ፍጻመ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ከም ዜጋታት ኮይኖም ዝተረፉ ኣዕራብ ፍልስጤማውያን ርኡይ ዝኾነ ኣድልዎን ተነጽሎን ይወርዶም ነይሩ። ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ስለ ዝኣተዉ፡ ብዙሕ መሰረታዊ ሲቪላዊ መሰላት ተኸልኪሎም እዮም። ማሕበረሰባት ዓረብ እስራኤላውያን መብዛሕትኡ መሬቶም ተመንዚዑ፡ ኮነ ተባሂሉ ድማ ድኻታትን ትሑት መነባብሮ ዘለዎምን  ክኾኑ ተገይሩ እዩ።

✔️ እቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ብኸመይ ተታሒዙ (ተወሪሩ)?

ኣብ 1967 ዮርዳኖስ፣ ግብጽን ሶርያን ንእስራኤል ንምውራር ዝዳለዋ ዘለዋ ኣብ ዝመስላሉ ዝነበራ እዋን እስራኤል ኣቐዲማ ኣንጻረን ንምክልኻል ብዝበል ምኽንያት ኲናት ኣካይዳ። እቲ መጥቃዕቲ ንክፋል ሃገራት ዓረብ ብሃንደበት ዝሓዘ ኮይኑ፡ እስራኤል ንሓውሲ ደሴት ሲናይን ምድረበዳ ጋዛን ካብ ግብጺ፣ ንጎላን ሃይትስ ካብ ሶርያ፣ ከምኡ እውን ንዌስት ባንክን (ንምዕራባዊ ገማግም ባሕርን) ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ካብ ዮርዳኖስ ምምንዛዕ ሓዊሱ ቅልጡፍ ዓወታት ከተመዝግብ ክኢላ።

እቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት ንእስራኤል ዘደንቕ ወተሃደራዊ ዓወት ኮይኑ እዩ። እስራኤል ንኢየሩሳሌም ሙሉእ ብሙሉእ ብምሓዝን ይሁዳን ሰማርያን ዝበሃላ ታሪኻዊ መሬታት ብምቁጽጻርን ኣብ ዌስት ባንክ ሰፈራታት ኣይሁድ ንምህናጽ መንገዲ ከፊቱላ እዩ። ብዚ ምኽንያት ድማ እዚ ቦታ ማእኸል ናይቲ ጎንጺ ኮይኑ እዩ።

እስራኤል ንህዝቢ ዌስት ባንክ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ኣእትያቶ። እዚ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ ምዃን ድማ ክሳብ ሎሚ ተግባራዊ ትገብሮ ኣላ እያ።

ካልኣይ ክፋል ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? ኢንሻኣላህ ክቕጽል እዩ።

ኣሰናዳኢ:- ቢላል ዓብዱልቃድር

Send as a message
Share on my page
Share in the group
Biabdul Сhanged his profile picture
6 month
Translation is not possible.

image
Send as a message
Share on my page
Share in the group