1 year Translate
Translation is not possible.

ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? 2ይ ክፋል

ካልኣይ ክፋል

✔️ቀዳማይ ኢንቲፋዳ 1987-1993

ኢንቲፋዳ ብህዝባዊ ምልዕዓል፣ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ሲቪላዊ ተቓውሞ፣ ብጽቡቕ ዝተወደበ ኣድማታትን ከባብያዊ ሕብረት ስራሕን ዝልለ ህዝባዊ ወያነ እዩ።

ናይ መጀመርታ ፍልስጤማዊ ኢንቲፋዳ ኣብ ታሕሳስ 1987 ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ዝተለዓዓለ ኮይኑ፡ ሓንቲ ናይ እስራኤል ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ክልተ ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ብምግጫዋ ኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ድሕሪ ምሟቶም እዩ። መንእሰያት ፍልስጤማውያን ናብ ታንክታት ሰራዊት እስራኤልን ወተሃደራት እስራኤልን እምኒ እናደርበዩ ተቓውሞታት እንተካይዱ  እቲ ዓመጽ ናብ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ) ድማ ብቅልጡፍ እዩ ተዛሚቱ።

ብተወሳኺ ጨንፈር ናይቲ ኣንጻር መግዛእቲ እስራኤል ኣብ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ዝተዋፈረ ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ዝኾነ ምንቅስቓስ ሓማስ ንምምስራት ኣኽኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ መልሲ ዝሃበሉ መንገዲ፡ ብጎስጓስ በቲ ሽዑ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ይሳቅ ራቢን “ኣዕጽምቶም ስበር” ዝብል ፖሊሲ ተቐሚሩ ጅምላዊ ቅትለት፣ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት፣ ምስጓግ ደለይቲ ፍትሕን ምዕናው ኣባይትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

እቲ ኢንቲፋዳ ብቐንዱ ብመንእሰያት ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብመግዛእቲ እስራኤል ከብቅዕን ናጽነት ፍልስጤም ንምምስራትን ቃል ዝኣተወ ጥምረት ፖለቲካዊ ውድባት ፍልስጤም ዝመርሖ ውሁድ ሃገራዊ መሪሕነት ወያነ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እስራኤላዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቢ’ጸለም (B'Tselem)፡ ኣብ እዋን ኢንቲፋዳ 237 ህጻናት ሓዊሱ 1070 ፍልስጤማውያን ብሓይልታት እስራኤል እንትቕተሉ ልዕሊ 175 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

ምንቅስቓስ ኢንቲፋዳ  ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጎንጺ መፍትሒ ከናድን ኣቓልቦ ክህቦን ኣገዲድዎ እዩ።

✔️ ዓመታት ኦስሎን በዓል መዚ ፍልስጤምን

ኢንቲፋዳ ኣብ 1993 ስምምዓት ኦስሎ ብምፍራምን ኣብ ዝተጎበጠ ዌስት ባንክን (ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን) ምድረበዳ ጋዛን ውሱን ዓርሰ ምሕደራ ዝተዋህቦ ግዝያዊ መንግስቲ በዓል መዚ ፍልስጤም (PA) ብምቛምን ተዛዚሙ።

ፒኤልኦ (PLO) ንእስራኤል ብመሰረት ኣብ ክልተ ሃገራት ዝካየድ ፍታሕ ኣፍልጦ ሂቡ፡ እስራኤል ን60 ሚእታዊ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ)፡ ከምኡ እውን ንመብዛሕትኡ ሃፍቲ መሬትን ማይን ናይቲ ግዝኣት ክትቆጻጸር ዝገብራ ስምምዓት ፈሪሙ እዩ።

በዓል መዚ ፍልስጤም (ፒኤ) ንፈለማ እዋን ዝተመርጸ መንግስቲ ፍልስጤም ኣብ ዌስት ባንክን ምድረበዳ ጋዛን ርእሰ ከተማኣ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝገበረት ናጻ ሃገር ብዝኸውን መንገዲ ክካየድ ነይርዎ፡ ነገር ግን እዚ ኸይዲ ክሳብ ሕዚ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ሓደ ሓደ ነቐፍቲ: በዓል መዚ ፍልስጤም (ፒኤ) ከም ሓደ ብልሹው ንኡስ ኮንትራክተር መግዛእቲ እስራኤል ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ምስ ሰራዊት እስራኤል ብቐረባ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘሎ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ንምጭፍላቕ እዩ ዝሰርሕ ይብሉ።

እስራኤል ኣብ 1995 ኣብ ዙርያ ምድረበዳ ጋዛ ኤሌክትሪክ ሓጹርን መንደቕ ኮንክሪትን ብምስራሕ ኣብ መንጎ እተን ዝተመቓቐላ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝነበረ ርክብ ኣቋሪጻ እያ።

✔️ ካልኣይ ኢንቲፋዳ

እቲ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ብ28 መስከረም 2000 ዓ.ም.ፈ ዝጀመረ ኮይኑ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሊኩድ ዝኾነ ኣሪኤል ሻሮን ኣብ ናይ ጥንቲ ከተማ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ቀጽሪ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ዘለዓዕል ዑደት ድሕሪ ምክያድ እዩ እቲ ኢንቲፋዳ ተለዓዒሉ። ብዚ ምኽንያት ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያን ሰልፈኛታትን ሓይልታት እስራኤልን ዝተኻየደ ጎንጺ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሓሙሽተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ 200 ድማ ቆሲሎም እዮም።

እቲ ፍጻመ ሰፊሕ ዕጥቃዊ ናዕቢ ኣበጊሱ እዩ። ኣብዚ እዋን ኢንቲፋዳ እዚ እስራኤል ኣብ ቁጠባን ትሕተ ቅርጽን ፍልስጤም ተራእዩ ዘይፈልጥ ጉድኣት ኣውሪዳ እያ። እስራኤል ብበዓል መዚ ፍልስጤም ዝመሓደሩ ከባቢታት ዳግማይ ተቖጻጺራ ምስቲ ዕሙር ህንጸት ሰፈራታታ፡ መነባብሮን ማሕበረሰባትን ፍልስጤማውያን ዘዕነወ ናይ ምፍልላይ መንደቕ ክትሃንጽ ጀሚራ እያ።

ሰፈራታት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ ኾይኑ እንዳሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ኣማኢት ኣሽሓት ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ኣብ ዝተሰርቐ መሬት ፍልስጤም ናብ ዝተሃንጹ ሓደሽቲ መግዛእትታት ግዒዞም እዮም። ንፍልስጤማውያን ዝኸውን ቦታ እናነከየ ክኸይድ ከሎ ንሰፋሮ ጥራይ ዝኸውን ጽርግያታትን ትሕተ ቅርጽን ነቲ ዝተጎበጠ  ዌስት ባንክ እናቖረጸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ምስፍሕፋሕ ድማ ከተማታት ፍልስጤም ናብ ባንቱስታን ክኣትዋ የገድድ ኣሎ። ባንቱስታን: እቲ ናይ ቀደም ስርዓት ኣፓርታይድ ንጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክኸውን ዝተነጸለ ምድረበዳ እዩ።

ስምምዓት ኦስሎ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ኣብ ዌስት ባንክ (ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ) ልዕሊ 110,000 ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ይነብሩ ነይሮም። ሎሚ እቲ ኣሃዝ ልዕሊ 700 ሽሕ ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ሄክታር (390 ትርብዒት ማይልስ) ካብ ፍልስጤማውያን ዝተመንዝዐ መሬት ይነብሩ።

ሳልሳይ ክፋል ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? ኢንሻኣላህ ክቕጽል እዩ።

ኣሳናዳኢ:-ቢላል ዓብዱልቃድር

image
Send as a message
Share on my page
Share in the group