6 month Translate
Translation is not possible.

ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? 1ይ ክፋል

ቀዳማይ ክፋል

✔️ መእተዊ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ምብራቕ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ እዩ።

እቲ ጎንጺ ከመይ ጀሚሩ ወይ ድማ እቲ ቀንዲ ምኽንያቱ እንታይ እዩ ኢልካ እንትትሓትት: ገሊኦም ካብ እዋን ሮማውያን ይጅምሩ፣ ካልኦት ድማ ካብቲ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስደት ኣይሁድ ናብቲ ሽዑ ግዝኣት ኦቶማን ዝነበረ ፍልስጤም (ካብቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዝነበረ ፖግሮምን ምስጓግን ንምህዳም) ከምኡ እውን ካብ ምልዕዓል ምንቅስቓስ ጽዮናውነት ይጅምሩ። ወይ ድማ እቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ ብ1917 ኣብ ፍልስጤም “ሃገራዊ ገዛ ንህዝቢ ኣይሁድ” ኢሉ ኣይሁዳውያን ንምድጋፍ ዝሃቦ ኣዋጅ ባልፎርን ድሕሪኡ ምስ ማሕበረሰባት ዓረብ ኣብኡ ዝነበረ ጎንጽታትን ከም ቀንዲ ምኽንያት ይጠቕሱ።

ንብዙሓት ግን መበገሲ እቲ ጎንጺ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1947 ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ኣብ ኣውሮፓ ጄኖሳይድ ምፍጻሙ ተኸቲሉ ኣብ ምሕደራ እንግሊዝ ዝነበረት ፍልስጤም መሬታ ኣብ ክልተ ሃገራት ክመቓቐል ማለት እውን ኣብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ዝኾነት ሃገርን ሓንቲ ድማ ዓረባዊት ዝኾነት ሃገርን ክትመቓቐል ኣብ ዝሃቦ ድምጺ ወይ ድማ ውሳነ እዩ ይብሉ።

ፍልስጤማውያን ይኹኑ ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብ ምምስራት እስራኤል ኣይተቐበልዎን እዮም። ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣይሁድ፡ ገሊኦም እንግሊዛውያን ከም ግብረሽበራዊ ውድባት ዝቖጽርዎምን ፍልስጤማውያንን ዝነበረ ውግእ፡ እስራኤል ኣብ ግንቦት 1948 ናጽነታ ምስ ኣወጀት ሰራዊት ግብጺ፣ ዒራቕ፣ ዮርዳኖስን ሶርያን ኣንጻር እስራኤል ኲናት ክሳብ ዝገብሩ እቲ ኩነታት እናገደደ ከይዱ እዩ።

ሓድሽ ሰራዊት እስራኤል ስፍራ እናረኸበ ምስ ከደ፡ ኣብ 1949 ዝተገብረ ስምምዕ ዕርቂ፡ ነታ ንእሽተይ ዝኾነት መንግስቲ ኣይሁድ ካብቲ ብመሰረት ውጥን ምምቕቓል ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበቶ መሬት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝበዝሐ መሬት እቲ ስምምዕ ዕርቂ ሓድሽ ኣብ መሬት ጭቡጥ ዝኾነ ዶባት ክትረክብ ገይርዋ እዩ።

✔️ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እንታይ ኣጋጢምዎም?

ኣስታት 700,000 ፍልስጤማውያን ተባሪሮም ወይ ተፈናቒሎም። ኣስታት 85% ካብ መሬት ህዝቢ ዓረብ ብእስራኤል ተታሒዙ። እቶም ብእስራኤል ዝተባረሩን ዝተፈናቐሉን ናብ መረበቶም ክምለሱ እስራኤል ፈጺማ ኣይፈቐደትሎምን።

ፍልስጤማውያን ነቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝርከብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰቦም ዝበጸሖ ምፍንጫልን ዘርኢ ምጥፋእን: ''ናክባ'' ወይ ድማ “መዓት” ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ድማ ኣብ ዘመናዊ ታሪኾም ዝተኸሰተ ዘሕዝንን ዘጉህን ፍጻመ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ከም ዜጋታት ኮይኖም ዝተረፉ ኣዕራብ ፍልስጤማውያን ርኡይ ዝኾነ ኣድልዎን ተነጽሎን ይወርዶም ነይሩ። ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ስለ ዝኣተዉ፡ ብዙሕ መሰረታዊ ሲቪላዊ መሰላት ተኸልኪሎም እዮም። ማሕበረሰባት ዓረብ እስራኤላውያን መብዛሕትኡ መሬቶም ተመንዚዑ፡ ኮነ ተባሂሉ ድማ ድኻታትን ትሑት መነባብሮ ዘለዎምን  ክኾኑ ተገይሩ እዩ።

✔️ እቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ብኸመይ ተታሒዙ (ተወሪሩ)?

ኣብ 1967 ዮርዳኖስ፣ ግብጽን ሶርያን ንእስራኤል ንምውራር ዝዳለዋ ዘለዋ ኣብ ዝመስላሉ ዝነበራ እዋን እስራኤል ኣቐዲማ ኣንጻረን ንምክልኻል ብዝበል ምኽንያት ኲናት ኣካይዳ። እቲ መጥቃዕቲ ንክፋል ሃገራት ዓረብ ብሃንደበት ዝሓዘ ኮይኑ፡ እስራኤል ንሓውሲ ደሴት ሲናይን ምድረበዳ ጋዛን ካብ ግብጺ፣ ንጎላን ሃይትስ ካብ ሶርያ፣ ከምኡ እውን ንዌስት ባንክን (ንምዕራባዊ ገማግም ባሕርን) ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ካብ ዮርዳኖስ ምምንዛዕ ሓዊሱ ቅልጡፍ ዓወታት ከተመዝግብ ክኢላ።

እቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት ንእስራኤል ዘደንቕ ወተሃደራዊ ዓወት ኮይኑ እዩ። እስራኤል ንኢየሩሳሌም ሙሉእ ብሙሉእ ብምሓዝን ይሁዳን ሰማርያን ዝበሃላ ታሪኻዊ መሬታት ብምቁጽጻርን ኣብ ዌስት ባንክ ሰፈራታት ኣይሁድ ንምህናጽ መንገዲ ከፊቱላ እዩ። ብዚ ምኽንያት ድማ እዚ ቦታ ማእኸል ናይቲ ጎንጺ ኮይኑ እዩ።

እስራኤል ንህዝቢ ዌስት ባንክ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ኣእትያቶ። እዚ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ ምዃን ድማ ክሳብ ሎሚ ተግባራዊ ትገብሮ ኣላ እያ።

ካልኣይ ክፋል ሱር (መበገሲ) ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ እዩ? ኢንሻኣላህ ክቕጽል እዩ።

ኣሰናዳኢ:- ቢላል ዓብዱልቃድር

Send as a message
Share on my page
Share in the group